60 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 72 መንእሰያት መማህራን፡ ኣብ ኣተኣላልያ ተመሃሮ ዘለዎም ኣምርን መረዳእታን ንምስፋሕን ኣበርክቶኦም ንምዕባይን ዝዓለመ ስልጠና ቀሲሞም።
እቲ ብ6ን 7ን መጋቢት ዝተዋህበ ስልጠና፡ ምሕደራ ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ፡ ምጥንኻር ናይ ምብህሃልን ምጽላውን ክእለት፡ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ምውዳብ ኣብ ሃገራውያን ማሕበራትን ካልእን ዛዕባታት ዘጠቓለለ ነይሩ።
ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ መምህር ክፍላይ ዓንሚካኤል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ስሉሳዊ ዝምድና መማህራን፡ ወለድን ተመሃሮን ብምሕያል ዓይነታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ውጽኢቱ ዝምስገን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዓቢ ኣቓልቦ ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብቑዕ መንእሰይ ወለዶ ንምምልማል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ተራ መንእሰያት መማህራን ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ተገሊጹ።