ለበዳ ኮሮና ቫይረስ (COVID-19) ካብ ዝጅምር ድሮ ሳልሳይ ወርሑ ኣሕሊፉ’ሎ። ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝዀነ ምልባዕ፡ ናብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ተዘርጊሑ፡ ልዕሊ 100,000 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ኣስታት 4,000 ድማ ሂወቶም ከሕልፍ ክኢሉ’ሎ።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝተለኽፈ ሰብ’ኳ እንተዘየለ፡ ብኣየር፡ መሬትን ባሕርን ምስ ዝተፈላለያ በቲ ለበዳ ዝተጸልዋ ሃገራት ስለእንራኸብ፡ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሃገርና ከይኣቱ ክንከላኸልን ንኹሉ እንተታት ድሉዋት ክንከውንን መድረኽ ዝጠልቦ ጉዳይ’ዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ የቕርብ፦

1. ኣፍልጦ ህዝቢ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ (COVID-19) ክብ ንምባል ቀጻሊ ጎስጓስ ብማዕከናት ዜና ከካየድ ምዃኑ እናፍለጠ፡ ህዝቢ ንዝወጽእ ሓበሬታ ምክትታል ክገብር ይሕተት።

2. ኩሎም ካብን ናብን ኤርትራ ክገሹ መደብ ዘውጽኡ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት፡ ነዚ ዘለናዮ ወቕቲ ኣብ ግምት ብምእታውን ንድሕነቶምን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብምሕላይን፡ መገሻታቶም ከወንዝፉ ይምሕጸን።

3. ሚኒስትሪ ጥዕና ቀጻሊ ምክትታል ብምግባር፡ ናህሪ፡ ዝርግሐን ካልኦት ኣመትቲ ረቛሒታትን ናይዚ ለበዳ ብምግምጋም፡ ምስኡ ዝሳነ መምርሒታትን ሓበሬታታትን ክህብ’ዩ።

4. ካብ ሃገራት ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ብቐጥታ ወይ ብትራንዚት ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ዝሓቱ ገያሾ፡ ክውሸቡ ምዃኖም ነፍልጥ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

ሚኒስትሪ ጥዕና

11 መጋቢት 2020

Categories