ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ብሃማደኤ ዝተወደበን ኣስታት 8 ሽሕ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሳተፍኦን ሰፊሕ ወፈራዊ ንጥፈታት ተኻዪዱ።
እቲ ብ4 መጋቢት ጀሚሩ ን4 መዓልታት ዝቐጸለ ወፍሪ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብሓፈሻ፡ ምስራሕን ምጽጋንን ዛላታትትን ከትርታትን ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ጽርግያታትን ጽሬት ኣከባቢን ዘተኰረ ምንባሩ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ሃማደኤ ኣብ ምድጋፍን ምጥያስን ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ ብዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት፡ ንሸሞንተ ደቂኣንስትዮ ብኣስታት 60 ሽሕ ናቕፋ ብጥሪት ከምዘጣየሰ፣ ናይ ልቓሕ ዕድል ብምሃብ ድማ ዓቕሚታተን ንምሕያል ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።