ኣባላት ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ሕግን ጥዕናን ዘተኰረ ኣስተምህሮኣዊ ስልጠና፡ ካብ 6 ክሳብ 8 መጋቢት ተዋሂቡዎም።

እቲ ኣብ ሳዋ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ገበናዊ ሕጊ፡ ትምህርቲ ጾታን ማዕርነትን፡ ኣበርክቶ ኣለይቲ ኣብ ምዕዋት መደባት ትምህርትን ስልጠናን፡ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ተራ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ጽልዋ መራኸቢ ብዙሃን፡ ከምኡ’ውን ክእለትን ኣገዳስነትን ምብህሃል ዝምልከት’ዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ ሕግን ጥዕናን መሰረታዊ እምነ-ኵርናዕ ምዕባለ ከምዝዀነ ጠቒሱ፡ መስርሕ ህንጸት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ሓያል ንቕሓት፡ ውዳበን ፍልጠትን ዝውንን መንእሰይ ከምዝምርኰስ ኣብሪሁ። ተሳታፍነትን ኣበርክቶን ኣካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ሕብረተሰብን ኣብ ሕቶ መንእሰያት ኣድማዕነት ንኽህልዎ ድማ፡ ብውህደት ምስራሕ ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ስልጠና፡ ብቕዓትን ምዕሩይ ተሳታፍነትን ደቂኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ትምህርቲን ዓውዲታት ስራሕን ንምብራኽ ክስራሕ፡ ብእወታዊ ኣድልዎ ቦታ ዝተዋህበን ደቂኣንስትዮ ብቕዓት ኣጥርየን ርእሰ-ምትእምማን ንኸዕብያ ዘድልየን ስልጠናታት ክወስዳን ደገፍ ክግበረለንን፡ ኣርኣያ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ብምልላይ ድማ ምስጢር ዓወተን ንኻልኦት ደቂኣንስትዮ ዘካፍላሉ ኣገባብ ክድፋኣሉ ከምዝግባእ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ኣብ ዝሃቦ መዛዘሚ ቃል፡ በብዓውዱ ዝውደቡ ስልጠናታትን ኣስተምህሮታትን፡ ንዝጸንሐ ዓቕሚታት ብምድራዕ ሕጽረታት ኣብ ምቅላል ሓገዝቲ ምዃኖም ብምግላጽ፡ “ፈሊጥካ ሱቕ ምባል ዘይኮነ፡ ክትሰርሓሉን ናብ ካልኦት ክተመሓላልፎን ይግባእ” ክብል፡ ነቶም ነዚ ናይ ስልጠና ዕድል ዘይበጽሖም ኣባላት፡ ተመሳሳሊ ዕድል ክፍጠረሎም ኣዘኻኺሩ።

Categories