ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ናይቲ ብ‘ጸላም ሰንበት’ ዝፍለጥ ብ9 መጋቢት 1975 ብመግዛእታዊ ሰራዊት ደርግ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ነበርቲ ከተማ ኣቑርደት ዝተፈጸመ ህልቂት፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ተኻዪዱ።

እቲ ካብ 7 ክሳብ 9 መጋቢት ዝቐጸለ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ግፍዒ፡ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ስለ ናጽነቱን ክብረቱን ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋን ብዘንጸባርቕ መሰናድኦታት ዝተሰነየ ነይሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ እድሪስ ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዕላማ ናይቲ መደብ፡ ንስለ ናጽነት ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ንምዝካርን ንምስናድን፡ ከምኡ’ውን ሓደስቲ ወለዶታት ከምዝፈልጥዎ ንምግባር ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ኣቶ ኢሳቕ ጥዑም ብወገኑ፡ ህልቂት ጸላም ሰንበት፡ መርኣያ ናይቲ ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቈልዓ-ሰበይቲ ዝርከብዎም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝፈጸምዎ ጃምላዊ ህልቂትን ጽንዓት ህዝብናን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን፣ ዓሳ ክተጥፍእ ባሕሪ ኣንጽፍ” ብዝብል ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባታት ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ምዝካር፡ መስገደላት ቃልሲ ንናጽነትን ዝተኸፍለ ዋጋን ንምስልሳልን ናይ መጻኢ ጒዕዞኻ ንምቕያስን ከምዝሕግዝ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛን ዝርከብዎም ሰበስልጣን፡ ንዝኽሪ ግዳያት ‘ጸላም ሰንበት’፡ ኣብ መቓብር’ቶም ስዉኣት ሕቋፍ ዕንባባ ከንብሩ እንከለዉ፡ ካብ’ቲ ኣረሜናዊ ግፍዒ ንስክላ ዘምለጡ ድማ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም።

መግዛእታዊ ሰራዊት ደርግ ቅድሚ 45 ዓመት ኣብ ኣቑርደት ብዝፈጸሞ ጃምላዊ ህልቂት፡ ኣስታት 370 ንጹሃት ኤርትራውያን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምእተቐትሉ ይዝከር።

Categories