ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ 216 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ዝጥርነፋ ልዕሊ 990 ዓድታት፡ ዝውታረ ኮማዊ ከባቢያዊ ጽሬት ንምርግጋጽ – ክትግበሩ ኣብ ዝግብኦም መደባት ዝዘተየን፡ ሕሉፍ ንጥፈታት ዝገምገመን ርክብ ብ4 መጋቢት ኣብ ባረንቱ ተኻዪዱ።
ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ከባቢያዊ ጽሬት እምነ-ኩርናዕ ጥዕናዊ ጽላት ብምዃኑ – ብደረጃ ዞባ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ከባቢያዊ ጽሬት ኣቶ ዓብዱ ያቆብ ድማ፡ እቲ መደብ ከም’ቲ ዝተወጠኖ ብዘይምስጓሙ – ኣብ 2019 ኣወዳድባ ብምምሕያሽ ጻዕርታት ከምእተገብረሉ ሓቢሩ።
ሎሚ ቁጽሪ ናይተን ኮማዊ ከባቢያዊ ጽሬት ብምልኣት ዘተግበራ ዓድታት – ናብ 274 ክብ ከምዝበለን፡ እተን ዝተረፋ ከተኣታትዋኦ ምእንቲ፡ ክሳብ ታሕቲ ዝወርዳ ናይ ትግባረን ምክትታልን ኮሚተታት ብምቛም ይስራሓሉ ከምዘሎን ድማ ኣረዲኡ።
“ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት፡ መሰረት ስትራተጂ መደባት ጥዕና ስለዝኾነ፡ ልዑል ጠመተ እዩ ዝወሃቦ” ዝበለ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ጨንፈር ከባቢያዊ ጥዕና ዶክተር ዘሙይ ኣለሙ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ንዘሎ ቅሩብነት ዘነጽር ምዃኑ ብምሕባር፡ ደገፍ ሚኒስትሪ ጥዕና ከምዘይፍለዮ ኣረጋጊጹ።