ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ብሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝተወደበ፡ ኣብ ሜላታት ምፍራይን ኣጋፍፋን ዓሳ ከምኡ’ውን ኣተዓቓቕባን ኣሰራርሓን ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይ – ንሓረስቶት ስልጠና ተዋሂቡ።
ነቲ ብግብሪ ዝተሰነየ ናይ ሓደ ወርሒ ትምህርቲ፡ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ሰሞሞ፡ ማይ-ላፎ፡ ዓዲ-ዓኼሎን ዓዲ-ጸጓርን ዝተዋጽኡ ሓረስቶት ተሳቲፎምዎ።
ብ5 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኣልኣሚን ኣሕመድ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከባ ዲጋታት፡ ዓሳታት ንምርባሕ ወፍሪ ክገብር ምጽንሑ ብምሕባር፡ እቲ ትምህርቲ ዕላማኡ – ህዝቢ ኣፍልጦኡ ብምዕባይ ኣብ ከባቢኡ ንዘለዋ ዲጋታት ብግቡእ ክጥቀመለን ንምሕጋዝ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብግብራዊ ስራሕ ከማዕብልዎን ናብ ካልኦት ሓረስቶት ከሰጋግርዎን ብምልባው፡ ብወገን ምምሕዳር ዘድሊ ምትሕብባር ከምዝግበረሎም ኣረጋጊጹ።
ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ እቲ ኣስተምህሮ በብከባቢኡ ክድፋኣሉ፡ ምንጭታት ማይን ዓሳታትን ካብ ብከላ ንምድሓን ድማ – ሞቶረታት ካብ ዲጋታት ክርሕቃ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።