ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየድዎ ሰሚናራት፡ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝርከቡ ላዕለዎት ሰብመዚ መንግስትን ህግደፍን ከምኡ’ውን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ኣብ ህሉው ዕድላት፡ ብድሆታትን መደባት 2020ን ኪንዮኡን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።
ትማሊ 10 መጋቢት ኣብ ባረንቱ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ዝሓለፉ 20 ዓመታትን ቅድሚኡ ዝተሰግረ መሪር መድረኽ ብረታዊ ተጋድሎን ዝፈጠርዎም ዓበይቲ ውሽጣውን ግዳማውን ዕድላትን ብድሆታትን፡ ገና ከምዘለዉ ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ ካብቶም ሰፋሕቲ ዕድላትና ኣብ ቅድሚት ዝስራዕን ልዕሊ ኹሉ ኣገዳስነት ዘለዎን – ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን ከምኡ’ውን ናይ ህዝብና ስኒትን ሓድነትን ምዃኑን፡ ቀጻሊ ክንናብዮ ከምዘድሊን ኣገንዚቡ።
ንዞባዊ ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ – ነቲ ጉዳይ ንምዕትንቓፍ ገና ኣሰሮም ዘይጠፍአ ግዳማዊ ብድሆታት ከምዘለዉ፡ ነዚኦም እናገጠምካ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሽግራት፡ ኣብ ፖለቲካውን ውድባውን ስርሓት፡ ኣብ ምምሕዳርን ምሕደራን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣጠቓቕማ ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብ ዝጸንሑ ጉድለታት ብምምሕያሽን ብምእራምን፡ ምስ ጻዕርን ጥሙሕን መንግስቲ ዝሳነ ዕብየት ንምምዝጋብ ኣተኲሮ ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብ ምሕያል ዞባዊ ምትሕብባርን ሽርክነትን ዝተመርኰሰ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ምስልሳል እውን፡ ኣብ 2020 ካብ ዝትግበሩ መደባት ምዃኖም ዝጠቐሰ ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ዝተተለሙ መደባት ብኣድማዕነት ተተግቢሮም ናብ ዝበረኸን ዝጣጥሐን ደረጃ ንምብጻሕ፡ ተራ ኣካላት መንግስቲ፡ ካድራትን ኣባላትን ህግደፍን መላእ ህዝብን ክዓቢ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ምስ ምጅማር ህንጸት ኣባይቲ ዝተሓሓዝ ንዋታዊ ኣቕርቦት ብኣጋ ክሕሰበሉ፡ ናብ መንእሰያት ዝቐንዑ ናይ ትምህርትን ሞያን ዕድላት ክድፋኣሎምን ዕድላት ስራሕ ክሰፍሑን፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምግታእ ሕጋዊ እታው ሃለኽቲ ነገራት ክስስን፡ ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።