ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ገለዓሎ ዝተራእየ ዕስለታት ኣንበጣ ምድረበዳ ንምቁጽጻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝብን ብምውህሃድ ሓያል ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ዮሱፍ ሑሴን፡ ነቲ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ዝተራእየ ኣንበጣ ንምምካት፡ ዘድሊ ዓቕሚ-ሰብ፡ መሳርሒታትን መድሃኒትን ተዳልዩ ዕቱብ ምንቅስቓሳት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ቦርዶሊን ደሎሕን ዝተራእየ ኩብኩብታ ንምጥፋእ፡ ሓረስቶት፡ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስትን ሰራዊትን ዕዉት ስራሕ ይዓሙ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ኣብ እምበረሚ ዝተራእየ መበገሲኡ ዘይተፈልጠ ዕስለታት ኣንበጣ እውን፡ ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ጨንፈር ብቚልን ኣወሃሃዲ ምክልኻል ኣንበጣን ኣቶ ተስፊት ገረዝጊሄር ሓቢሩ።

በብንኡስ ዞባኡ ተደኲነን ዝርከባ ነቚጣታት ምክልኻል ኣንበጣ፡ ኣብ’ቲ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ልዑል እጃም የበርክታ ከምዘለዋ ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ተርእዮ ሓሓሊፉ ይቕጽል ስለዘሎ፡ ሓረስቶትን ጓሶትን እዋናዊ ሓበሬታ ከመሓላልፉ ተላብዩ።

ኣቶ ተስፊት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምቁጽጻር ወራር ኣንበጣ ንዘርእዮ ዘሎ ተወፋይነት ድሕሪ ምምጓስ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጊንዳዕ፡ ፎሮ፡ ሽዕብ፡ ባጽዕ፡ ቅሮራ፡ ገለዓሎን ኣፍዓበትን ዘሎ ጠሊ ንኣንበጣ ምቹእ ስለዝዀነ፡ ዕቱብ ምክትታል ክካየድ ኣዘኻኺሩ።

ብ21 ለካቲት ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ከባቢ ደማስን ያንጉስን ዝኣተወን ልዕሊ 400 ሄክታር ዝሸፈነን ዕስለ ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ብውሁድ ተሳትፎ ሞያውያን ሕርሻ፡ ሓረስቶትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ ኣብ ትሕቲ ምቊጽጻር ከምዝኣተወ ይዝከር።

Categories