ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ምምሕዳር ከባቢ ኡምለ ዝተኸፍተት ሓዳስ መደበር ጥዕና፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ክንክን ነፍሰ-ጾራትን ምብራኽ ንቕሓት ነበርትን ከኣ ብፍላይ – ዓቢ ኣስተዋጽኦ ትገብር ከምዘላ፡ ተገልገልቲ ገሊጾም።
ኣብ ዝተረሓሓቓ ዓድታት ዝነብሩ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ኣብ ከባቢኦም ትካል ጥዕና ብዘይምንባራ፡ ሕሙማት ንኣገልግሎት ጥዕና ክሳብ ዓዲ-ቐይሕን ፎሮን ብእግርን መጽዓኛን ክጓዕዙ ከምዝጸንሑ፡ ከም ሳዕቤኑ ሞት ናጽላታትን ኣዴታትን የጋጥም ከምዝነበረ ኣረዲኦም።
ብዝግበረሎም ሞያዊ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን እውን ኣፍልጦኦም ኣብ ዘመናዊ ሕክምና እናበረኸ ይመጽእ ከምዘሎ ዝጠቐሱ’ቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣብ መጻኢ እታ መደበር ዘለዋ ሕጽረታት ከምዝማልኣላ እምነቶም ገሊጾም።
ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ተሓጋጋዚ ነርስ ጃብር ዓብደላ፡ እታ ትካል – ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኣይሮማለ፡ ማልካ፡ ደናንሎን ሩባ ሓዳስን ኣብ ዝጥርነፋ 13 ዓድታት ንዝነብራ – ልዕሊ 1600 ስድራ-ቤታት ኣገልግሎት ከምእትህብ ገሊጹ።