ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት፡ “ንምልኣት ኣግእዞ፡ ጠመተና ንቕድሚት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተኸቢራ።
ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብ6 መጋቢት ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ ኣብ ዝተገብረ ስነስርዓት፡ሓላፊት ሃማደኤ ኣብቲ ዞባ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን መዳያት ንምድራዕን ተረባሕቲ ዕድላት ንምግባረንን ዝያዳ ጻዕሪ ከምዘድሊ ገሊጻ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ብወገኑ፡ ኣበርክቶን ዕብየትን ጓልኣንስተይቲ ዝዕንቅጹ ጐዳእቲ ልምድታት ብምውጋድ ኩሉ-መዳያዊ ተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ንምድንፋዕ፡ ምምሕዳር ዞባ ምስ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ከምዝሰርሓሉ ኣረጋጊጹ።
ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ ኣስመራ – ቀጽሪ ኤክስፖ ብ8 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ፡ ነቲ ብነዊሕ ቃልሲ ዝተዀስኰሰ ማዕርነት ክልቲኡ ጾታታት ዘረጋግጽ ብሉጽ መትከላትን ክብርታትን ዓቂብና፡ ናብ ዝበረኸ ንምብጻሕ መብጽዓና ከነሐድስ ኣዘኻኺራ።
“ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሕቶ ህላወ፡ ድሕነትን መንነትን ሃገር እዩ” ዝበለ ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን ብወገኑ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ናይ ህዝባዊ ግንባር፡ መሰልን ማዕርነትን ብግብሪ ኣብ ምርግጋጽ ኣብነታዊ ስራሕ ከምዝፈጸመ ገሊጹ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምዕሩይ ዕድላት ብትምህርቲ ስለዝረጋገጽ፡ ተሳታፍነትን ተወዳዳርነትን ደቂኣንስትዮ ክዓዝዝ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ከተባብዐንን ክድግፈንን፡ ተመሃሮ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ጸዊዐን።
ብምኽንያት 8 መጋቢት፡ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ወ/ሮ ኣምና ሓሰን – ብ4 መጋቢት ኣብ ዝገበረትለን ሰሚናር፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ዝኸፈላኦ መስዋእትን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂባተን።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ – 8 መጋቢት፡ ብደረጃ ዓለም ንመበል 109፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ንመበል 41 ግዜ እያ ተዘኪራ።