መንግስቲ ኤርትራ፡ ብ9 መጋቢት ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ – ንዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ብትሪ ኰኒኑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ 10 መጋቢት ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ እዚ እኩይ ተግባር’ዚ፡ ናይ ጸላም ሓይልታትን ሓብሓብቶምን፡ ነቲ ኣብ ሱዳን መጺኡ ዘሎ እወታዊ ለውጢ ንምቕልባስ ክወስድዎ ተዳልዮም ናይ ዘለዉ ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ስጒምቲታት መርኣያ ምዃኑ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ መንግስቲ ሱዳን ንሓድጊታት ናይ’ቲ ዝወደቐ ስርዓት ብምጽራግ፡ ረብሓ ህዝቢ ሱዳን ንምውሓስን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ዞባና እወታዊ ኣበርክቶ ንምግባርን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ምሉእ ደገፍን ምሕዝነትን መንግስቲ ኤርትራ ከምዘይፍለዮ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

Categories