ኣብ ብቕዓት ተመሃሮ ዓይነታዊ ምምሕያሽ ክመጽእ፡ ጻዕሪ መማህራንን ምክትታል ወለዲን ክሕይል፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ብ2ን 3ን መጋቢት ኣብ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ጸዊዑ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ ልዕሊ 200 ሽሕ ተመሃሮ እቶም 82.3 ሚእታዊት ከምዝሓለፉን፡ 4.9 ሚእታዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዘቋረጹን ብምሕባር፡ ኣብ ምምሕያሽ ብቕዓት ተመሃሮ ዝያዳ ጻዕሪ ክግበር ኣዘኻኺሩ።

ምስ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ብምንጽጻር፡ መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ ምውሳኹ፡ መጠን ምቁራጽን ምትራፍን ድማ ምንካዩ ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ዝያዳ ጻዕሪ ክካየድ ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ፡ ዋሕድን ብቕዓትን መማህራን ፍታሕ ክርከበሉ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምምሕያሽ በብግዜኡ ዝካየድ ጻዕሪታትን ውጽኢቱን ክግምገም፡ ኣብ ትምህርቲ ዘተኰረ ጐስጓሳት ክድንፍዕ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ምርምርን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ዝርኣዩ ድኻማትን ጉድለታትን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ መሰረታዊ ፍታሕ ክረኽቡ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ብምትሕብባር ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጼን፡ ምምሕዳር ዞባ ጠንቂ ትሑት ብቕዓት ተመሃሮ ተለልዩ ንምፍዋሱ መጽናዕቲ ክገብር ተበጊሱ ከምዘሎ ብምሕባር፡ መማህራን ኣብ’ቲ ዝግበር መጽናዕቲ ክተሓባበሩ ተላብዩ።

Categories