ብ5 መጋቢት ዝተጀመረ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርናን ምዕባለታት ከባቢናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዕድላት፡ ብድሆታትን መደባት ስራሕ 2020 ኪንዮኡን ዘተኰረ እዋናዊ ሰሚናራት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ብ6ን 7ን መጋቢት ኣብ ከተማታት ከረን፡ መንደፈራን ዓሰብን ቀጺሉ።

ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ ኣብ ከረን፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ

ኣብ መንደፈራ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ድማ ኣብ ዓሰብ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ ዘካየድዎ ሰሚናራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ሓደ ዘበን ዝተሓልፉ ብድሆታትን ዝተቐስሙ ተመኲሮታትን ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ፡ ንቕሓት፡ ውዳበ፡ ሓድነት፡ ስኒት፡ ተበግሶን ምዕባይ ኣበርክቶን እቶም ቀንዲ መሰረት ሃገራዊ ሓይልና ስለዝኾኑ፡ ቀጻሊ ምዂስኳሶምን ምሕያሎምን ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

“ሰላምናን ስኒትናን ከም ውሁብ ወሲድና፡ ምዅስኳሱ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይግባእን” ዝበሉ’ቶም ኣካየድቲ ሰሚናር፡ ቀጻሊ ክንናብዮ፡ ማዕረ ማዕረኡ ስ/ ተ ኪ ኤ ዮ ሴ ፍ ስ/ ፊ ሊ ሞ ን ት ካ ቦ ድማ ትሕተ-ሃገራዊ ኣተሓሳስባታት ብቐጻሊ ክንምክቶ ከምዝግባእ ድሕሪ ምብራህ፡ ቀንዲ ጸጋታት ሃገርና ሰባዊ ዓቕምና ከምዝኾነ፡ እዚ ጸጋ’ዚ ድሩትነትን ድኽመታትን’ኳ እንተለዎ፡ ብመንጽር ካልኦት ብምዝማድን ምስ ዘለና ብድሆታትን መደባትን ክርአ ከሎ ግን ብልጫና ሓያል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንትሕተ-ቅርጺ፡ ምፍራይን ኣፍራይነትን ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ሰፊሕ መብርሂ፡ ምምሕያሽ ትሕተቅርጽን ቀረብን ኣገልግሎት ማይ ኣብ ከተማን ገጠርን፡ ኣውራ ድማ ኣብ’ቲ ምሕድግ ዝበለ ከባቢታት እቲ ዝግብኦ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ሓያል ምርብራብ ክግበረሉ ምዃኑ፡ ስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ ዝጸንሐን ዓድታት ብቑዕ ቀረብ ንክረኽባ ደረጃ ብደረጃ ይትግበር ከምዘሎ፡ ቀረብ ማይ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ንምምሕያሽ ዝተጀመረ ከቢድን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን መደብ ድማ ተጠናኺሩ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ቀረብ ጸዓት’ውን፡ በብቕሩብ ናብ ዝተኣማምን ደረጃ ንምብጻሕ ተሓንጺጹ ብዘሎ ውጥን፡ ኣብ ኣስመራ፡ ዓሰብን ባጽዕን ተወሳኺ

60 ሜጋ-ዋት ጸሓያዊጸዓት ንምትካል ዘድሊ ምቅርራብ ተጀሚሩ ከምዘሎ፡ ቀረብ ጸዓትን መብራህትን ንምዕባይ ድማ ዓበይትን ንኣሽቱን ጀነሬተራት ክትከላ ምዃነን ድሕሪ ምብራህ፡ ንመንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት፡ 2020 ናይ መበጋገሲ ዓመት ኰይና፡ ከይተወድአ ዝጸንሐ ኣባይቲ ክዛዘም፣ ሓደስቲ ምስራሕ ድማ ክጅመር ምዃኑ ሓቢሮም።

ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ከምዘለዉ ዝጠቐሱ’ቶም ሰብ-መዚ፡ ኩነታት መነባብሮ ዘበገሶ ጉዳያት’ኳ እንተሎ፡ እቲ ዝዓበየ ግዝያዊ ውሽጣዊ ብድሆ ግና ኣብ መንጎ ክውንነትናን ልዑል ትጽቢትን ዘሎ ጋግ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ካብ’ዚ ዘለናዮ ደረጃ ናብቲ ሃንቀው እንብሎ ክንበጽሕ፡ ግዜን ከቢድ ስራሕን ዓቕምን ከምዝሓትት ኣገንዚቦም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ብመንግስቲ ዝጅመሩ’ሞ ኣብ ምዝዛም ዝደናጐዩ ፕሮጀክታት ህንጻ ዳግመግምት ክግበረሎም፡ ኣንጻር ሃገርን ሃገራዊ ረብሓን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝንዛሕ ዘይጭቡጥ ሓበሬታ ግብረመልሲ ዝህብ ብቑዕ ቴክኖሎጂ ዝዓጠቐ ኣካል ክቐውም፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ መንእሰያት ጸቒጥካ ክስራሕ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳርሒታትን መሳለጥያታትን ዝተዓናቐፍ ዘሎ ስራሕ ኣብ እዋኑ ንምዝዛም ናይ ዕድጊ መስርሕ ምምሕያሽ ክግበረሉ፡ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል፡ ኩነታት ተሃኒጾም ኣብ መዓላ ዘይወዓሉ ኣባይቲ ብግቡእ ክጽናዕን ነቲ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ እጃም ከምዝህልዎም ክግበርን፡ መስርሕ ፍቓድ እታው ምምሕያሻት ክግበረሉ ዝብልን ካልእን ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም።

Categories