ኤርትራውያን ነበርቲ በይኤርያ – ካሊፎርንያን ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ኣብ ምሕያል ውዳበታቶምን ምዕዛዝ ተሳትፎኦም ኣብ ጉዳያት ሃገርን ዘትዮም።
ኣብ በይኤርያ – ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኣባላት ዝተፈላለያ ማሕበራውያን ሓይልታት፡ ብ29 ለካቲት ዓመታዊ ዋዕላኦም ኣብ ከተማ ኦክላንድ ኣቃኒዖም።
ኣብ’ቲ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወትን ኣብ’ቲ ኤምባሲ ሓላፊት ህዝባዊ ጉዳያት ወይዘሮ ሓድነት ቀለታን ዝተረኽቡሉ ዋዕላ፡ ውዳበታት ሃማደኤን ህግደፍን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዘሰላሰልዎ ንጥፈታት ገምጋም ኣካዪዶምን ኣብ መደባት 2020 ዘትዮምን።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ መኸተ እዋናት ህዝቢ ኤርትራ ብዘርኣዮ ጽንዓትን ሓድነትን፡ ንኹሉ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ዘፍ ኣቢሉ መድሕን ሃገራዊ ልኡላውነት ኮይኑ ብምውጽኡ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ዘሐብን ታሪኽ ከም እተመዝገበ ኣረዲኡ።
ኣብ መወዳእታ፡ ከም መበገሲ ናይ 2020 ዕዮታት፡ ንፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ሽዕብ ዝውዕል 13 ሽሕን 400ን ዶላር ተዋጺኡ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ኩሉ-መዳያዊ ንቕሓትን ጥምረትን ኤርትራውያን መንእሰያት ንምዕዛዝ ዝዕላማኡ – ብ16 ለካቲት ኣብ ጁባ ናይ እሂንምሂን ኣኼባ ኣካዪዱ።
ኣብ’ቲ ኤምባሲ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ፉኣድ መሓመድ፡ ኣብ ኣገዳስነት ውዳበ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ፡ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምዕዋት ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።
ተሳተፍቲ፡ ጥምረትን ንቕሓትን ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት ንምሕያል ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት – ንረብሓኦም ብምዃኑ ንምዕዋቱ ከምዝጽዕሩ ኣረጋጊጾም።