ተመሃሮ ኮሌጅ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕ፡ “ንምልኣት ኣግእዞ – ጠመተና ንቕድሚት” ብዝብል ቴማ፡ 8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ጸምቢሎም።
ኣብ’ቲ ብ3 መጋቢት ዝተኻየደ መሰናድኦ፡ ኣብ ሃማደኤ ሓላፊት ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ወ/ሮ ኣበራሽ ህብታይ፡ ኣብ’ዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ፡ ከም ዜጋታት፡ ነቲ ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ዝተዀስኰሰ ብሉጽ ክብርታትን፡ ብቃልስን መስዋእትን ዝተረጋገጸ ማሕበራዊ ለውጥን ዓቂብናን ኣደልዲልናን፡ ኣብ’ቲ ዝበረኸ ደረጃ ሓርነት ንምብጻሕ መብጽዓና ከነሕድስ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።
ዲን ናይ’ቲ ኮሌጅ ዶክተር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ድማ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ዘለዉ ተመሃሮ – እተን 52 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን፡ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ድማ ካብ’ቲ ኮሌጅ ተመሪቐን ኣብ ዳግመ-ህንጻ ሃገር እጃመን የበርክታ ከምዘለዋ ብምሕባር፡ መልእኽቲ 8 መጋቢት ንዝለዓለ ብቕዓትን ተሳትፎን ክድርኽ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ተመሃሮ ዝተፈላለየ ምርኢት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ንብሉጻት ተመሃሮ ድማ ሽልማት ተዓዲሉ።