ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ከባቢ ኣፍታ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ፡ ገረብ ሾራ ይትከል ኣሎ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሳልሕ ጻዕዳ፡ ዕላማ’ቲ ብኣባላት ምርምርን መጽናዕትን ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ እናተመርሐ ዝሰላሰል ዘሎ መደብ፡ ካብ ፍግረ-መሬትን ብከላ ኣከባቢን ንምክልኻልን ህይወታዊ ብዙሕነት ንምስሳንን ከምዝዀነ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣባል ኣሃዱ ፕሮጀክት ምርምርን ምክትታልን ገረብ ሾራ መንእሰይ ሳሚኤል ሃብታይ፡ እቲ መደብ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ 2013 ዝተጀመረ ፕሮጀክት ምዃኑ ሓቢሩ። ብህዝቢ ንዝርአ ዘሎ ልዑል ተሳትፎ ድማ ሞጒሱ።

ገረብ ሾራ፡ ንምፍራይን መዕቈቢን ዓሳታት፡ ምክልኻል ፍግረ-መሬትን ካልእን ስለዘገልግል፡ መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ ኩለን ደሴታትን ገማግም ባሕሪን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብህዝባዊ ወፈራታት ከምዝትከል ንምግባር መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል ዝካየድ ዘሎ ውሁድ ጻዕሪ – ኣተባባዒ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ፡ ርእሳነ-መማህራን ገሊጾም።

ርእሳነ-መማህራን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ደናንሎን ዑመር-ቃብረን፡ ዛጊት ብዝተኻየደ ጻዕሪ – ተሳትፎ ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዕብየት ከምዘመዝገበ ሓቢሮም።

Categories