ኣብ ዞባ ማእከልን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንመናበዪ ስድራስዉኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ዝውዕል፡ 36 ሽሕ ዶላርን 182 ሽሕ ናቕፋን ወፍዮም።
ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ 41 ዜጋታት፡ ንመናበዪ 50 ስድራ ስዉኣት ዝውዕል 36 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከበርክቱ እንከለዉ፡ ኣቶ ሰሎሙን ገብረኣብ ዝተባህለ ሓደ ካብኦም – 10 ስድራ ስዉኣት ንምንባይ 7,200 ዶላር ኣታዊ ገይሩ ኣሎ።
ኣባላት ማሕበር ኣውቶቡስ ዓወት ብወገኖም፡ ንሓደ ዓመት ክናብይዎም ዝጸንሑ 30 ስድራ-ስዉኣት – ንካልኣይ ዓመት ንምንባዮም ብዝወሰድዎ ሓላፍነት 180 ሽሕ ናቕፋ ኣታዊ ገይሮም።
ካልኦት ክልተ ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ ነበርቲ ዞባ ማእከል እውን፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 2 ሽሕ ናቕፋ ኣበርኪቶም።