ክብርታት ሕብረተ-ሰብ – ኣብ ምንካይ ገበናትን በደላትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምግታእ ዘይስነ-ምግባራዊ ተርእዮታት ድማ ብፍላይ – ተራኡ ልዑል ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ልዕልና ሕጊ ኣብ ምኽባር ብንቕሓት ክዋሳእ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ብ3 መጋቢት ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣገንዚቡ።

ኮሎኔል ዘሚካኤል ተኽልያ፡ ዝፍጸሙ ገበናትን በደላትን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክኽወሉ ስለዘይክእሉ፡ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብ ህዝቢ ምስ ፖሊስ ዝገብሮ ምትሕብባር ከሐይል፡ ወለዲ እውን ኣብ ምክትታልን ምእራምን ደቆም ሓላፍነታውያን ክዀኑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ 2019፡ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ በበይኑ ዝደረጃኦም 110 ሓደጋታት ከምዘጋጠሙ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ 3 ዜጋታት ከምዝሞቱን 54 ከምዝቘሰሉን ኣረዲኡ። ኣብ ክፉት ዲጋታት ክትሕንብስ ኣቲኻ ምጥሓል – ካብቶም ገኒኖም ዝተራእዩ ሓደጋታት ምንባሩ ዝጠቐሰ ኮሎኔል ዘሚካኤል፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዕቱብ ጥንቃቐ ክግበር ጸዊዑ።

ሓሓሊፉ ዝርአ ናይ ምትምያን ገበናት ስለዘሎ፡ ህዝቢ ኣብ ዕድጊን መሸጣታትን ጥንቃቐ ከዘውትርን፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ንዝዋሃብ ሓበሬታ ብግቡእ ክከታተልን እውን መኺሩ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊስ ምቊጽጻሩ ብምሕያል ቅልጡፍ ስጉምትታት ክወስድ፡ ኣብያተ-መስተ ገደብ ሰዓታት ንከኽብራ ምክትታል ክግበረለን፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝወሃብ ኣስተምህሮታት ሕጊ ክድፋኣሉ. . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories