ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ንጥፈታት ክፍልታት ባህልን ስፖርትን ኣብ ዞባታት፡ ብ28 ለካቲት ብኣኼባ ገምጊሙ።
ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ገምጋም ዕላማኡ – ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ስራሕ ዘጋጠመ ሕጽረታትን ዝነበረ ብልጫታትን ርኢኻ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብደረጃ ሃገር ዕዉት መደባት ንምትግባር ዝሕግዙ ውጥናት ንምስኣል ምዃኑ ገሊጹ።
ብድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምሕያል ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ዕብየት ባህላዊ መደባት፡ ድንፋዐ ዳህሳሳት፡ ምርምራዊ ስራሓት ስነ-ጥንቲን ካልእን ዘተኰሩ ኣርእስትታት ብሰፊሑ ዘትዮምን ሓገዝቲ ርእይቶታት ኣቕሪቦምን።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ዞባታት ዘለወን ብልጫታት ብምዕቃብን ዝጸንሐ ሕጽረታት ደረጃ ብደረጃ ብምፍታሕን፡ ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለን ዕብየትን ንምርግጋጽ ኣበርክቶአን ከዕዝዛ ኣዘኻኺሩ። ኮሚሽን ኩሉመዳያዊ ደገፍን ምትብባዕን ከምዝገብረለን እውን ኣረጋጊጹ።