ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ቅሮራ፡ ብ21 ለካቲት – ኣብ ድገ-ቅሮራ ኣብ ኣጠቓቕማ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተመያይጦም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ እድሪስ መሓመድ-ስዒድ፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ፡ ኣብ ምኹዓት መስመራት ማይ፡ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣብ ትምህርትን ጽሬት ከባቢን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምክትታልን ምክልኻልን ኣንበጣ ዕቱብ ስራሕ ከምእተሰላሰለ፡ እዚ ከኣ – ንቐጻሊ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ህዝቢ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብግቡእ ክጥቀመሉን ክከናኸኖን ይስራሓሉ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ዓቕሚታት ህዝቢ ብምውህሃድ መስመራት ማይን ቀጽሪ ቤትትምህርትን ንምጽጋን መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ እታ ዓዲ ብሩባታት ዝተኸበበት ብምዃና – ቀጻሊ ንሓደጋ ውሕጅ ትቃላዕ ከምዘላ ብምሕባር፡ መንግስቲ ናይ ማሽነሪ ሓገዝ ክገብረሎም፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያን ተንቀሳቓሲ ተሌፎንን ኣቓልቦ ክግበረሉ ተላብዮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ቅሮራ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ቅሮራ፡ ካብ እማህሚመ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ዝተደኰነት እያ።

Categories