ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ትሕዝቶ ባንክ ደም ንምህብታም፡ ካብ 17 ክሳብ 23 ለካቲት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ’ቲ ዞባ ዕዉት ንጥፈታት ኣካዪዱ።

ኣብ’ዚ ብውህደት ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተዓመ ወፍሪ፡ ካብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ 504፡ ካብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ድማ 93 ከረጺት ደም ከምእተኣከበ፡ ኣቦ-መንበር’ቲ ማሕበር ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ገሊጹ።

ህዝቢ፡ ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ ኣብ ወለንታዊ ልግሲ ደም ድማ ብፍላይ ዝጸንሖ ርድኢትን ኣረኣእያን ምብራኹ፡ ማሕበር ዘካይዶ ዘሎ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ፍረ ይህብ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብዘይካ’ተን ኣብ ባጽዕ፡ ጊንዳዕ፡ ኣፍዓበትን ናቕፋን ዘለዋ ንኡሳን ጨናፍር፡ ኣብ ሽዕብን ፎሮን ማእከላት ንምቛም መደብ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ሃይለ፡ ብምኽንያት ክሊማን ራሕቂ ነቑጣታትን ብባንክ ደም ሓንሳብ ኣብ ዓመትን ኣብ ውሱናት ነቑጣታትን ብመልክዕ ወፈራ ዝካየድ ዝነበረ ደም ናይ ምእካብ ስራሓት፡ እናሰፍሐ ዝኸደሉ መገዲ ይናደ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ዞባ፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝም – ኣብ ከተማ ባጽዕ ንኣባላት ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝምን ሆቴላትን ስልጠና ሂቡ።

እቲ 40 ኣባላት ማሕበር ዝተሳተፍዎ ትምህርቲ፡ ኣተሓሕዛ ዓማዊል፡ ኣቕርቦት ኣገልግሎታት፡ ምቁጽጻርን ምስሳይን መግብን መስተን፡ ምሕደራ ሆቴልን ምልውዋጥ ሓበሬታን፡ ከምኡ’ውን ኣተሓሕዛ ገዛን ምስልጣን ዓቕሚሰብን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፊ ጨንፈር ምክትታል ጸጋታትን ምውዕዋዕን ኣቶ ኣብርሃም ተስፋማርያም፡ ከም’ዚ ዓይነት ስልጠና፡ ኣገዳስነቱ እናዓዘዘ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories