ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ከባቢታት ደማስን ያንጉስን፡ ብ21 ለካቲት ዝኣተወ ንልዕሊ 400 ሄክታር ዝሸፈነ ዓቢ ዕስለ ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ኣብ ቁጽጽር ከም ዝወዓለ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ወፍሪ ካብ ዝተሳተፉ ክኢላታት ሚኒስትሪ ሕርሻ – መንእሰይ ዳዊት ኣንገሶም፡ ብ21 ለካቲት ኣብ ከባቢ ደማስ ከምእተራእየ ሓበሬታ ምስ መጽኦም፡ ናይ ዳህሳስ ጉጅለታት ናብቲ ቦታ ብምልኣኽ ክትትል ከምእተገብረን መድሃኒት ብምንጻግ ውጽኢታዊ ስራሕ ከም እተተግበረን ሓቢሩ።

ኣብቲ ወፍሪ ንዝተሳተፈ ዓቕሚ ሰብን መሳለጥያን ብዝምልከት፡ ኣርባዕተ ነጸግቲን ሸውዓተ ናይ ኰለላን መካይን፡ 30 ሞተራይዝድን ሽዱሽተ ናይ ኢድን መንጸጊ ጸረ-ባልዕ፡ ከምኡ’ውን 700 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን 11 ክኢላታት ሕርሻን ከምእተሳተፈ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ዛጊት ብኣንበጣ ምድረ-በዳ ዝተወረረ ኣስታት 56 ሽሕ ሄክታር ብውሁድ ጻዕሪ ከምዝነጽሀ ብምሕባር፡ እቲ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጽእ ዘሎ ወራራት ኣንበጣ ቀጻሊ ስለዘሎ ግን፡ እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

Categories