ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ዞባ ማእከል ንዝነጥፉ ኣባላት ሽማግለታት ኮም ዝሰረቱ ተሃድሶን ልምዓትን ስልጠና ወዲቡ።
እቲ ስልጠና፡ ስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ማሕበራዊ ጸገም ዘለዎም ካልኦት ወገናትን ኣለሊኻ፡ ኣፍረይቲ ዝኾኑሉ ባይታ ንምጥጣሕ ክውሰድ ኣብ ዘለዎ ሜላታትን ኣገባባትን ዘተኰረ እዩ።
ሓላፊት ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል ወይዘሮ ጅምዓ ኢብራሂም፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ልዕሊ 400 ኣባላት ሽማግለታት ኮማዊ ተሃድሶን ልምዓትን ከምዘለዉ፡ እቲ ስልጠና ድማ ኣፍልጦኦም ክብ ኣቢሎም ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብውህደት ንክሰርሑ ዝሕግዞም ምዃኑ ገሊጻ።
ሰልጠንቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ንዝርአ ማሕበራዊ ጸገማት – ኣብ ቀረባኡ ናብ ዝርከባ ምምሕዳራት ከባቢ ክሕብር ኣዘኻኺሮም።