ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ዓንሰባ፡ ንምርባሕ ዓሳታት ኣብ ዲጋታትን ምሕደራኡን ብዝምልከት፡ ብ18ን 19ን ለካቲት ኣብ ሓልሓል ኣስተምህሮ ሂቡ።
እቲ ኣባላት ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ ንዝርከብዎም 55 ነበርቲ ሓልሓልን ከባቢኣን ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ዓሳታት ኣብ ዲጋታት – ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምምላእ መኣዛዊ መግቢ ስድራ-ቤታትን፡ ኣገዳስነት ማያዊ ሕርሻ. . . ዝብሉ ዛዕባታት ዝሓዘ እዩ።
ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ መሓሪ ሃብተገርግስ፡ ዲጋታት – ኣብ ምፍራይ ዓሳታት እውን ኣበርክቶ ክህልዎ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሕብረተ-ሰብ ኣገዳስነቱ ተገንዚቡ ክርዕሞን ሂወቱ ከመሓይሸሉን ኣዘኻኺሩ።
ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባኦም ዘለዋ ዲጋታት፡ ኪኖ’ቲ ልሙድ ሕርሻ፡ ዓሳ ዘፍርያሉ ሜላታት ብሰፊሑ ክተኣታተወለን ብምልባው፡ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክሰጋገሩ – ሓገዝ ጨንፈር ሃብቲ ዓሳ ከይፍለዮም ሓቲቶም።