ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡሳን ዞባታት ዒላ-በርዕድን ዓዲ-ተኬለዛንን ኣብ ዝርከባ ዓድታት ደብረሲናን ጐላጉልን፡ ብኣስታት 3.2 ሚልዮን ናቕፋ ፕሮጀክትታት ቀረብ ዝስተ ማይ ተዋዲዱ።

ብ22ን 23ን ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምምራቕ፡ ሓላፊ ጨንፈር ማይ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዘርአ ወልደትንሳኤ፡ እቲ ኣብ ጸሓያዊ ጸዓት ዝምርኰስ ፕሮጀክትታት፡ 2 ዒላታት፡ 6 መዐደሊ ነቑጣታትን 2 መዕረቒ ባስካታትን፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 3 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ መከፋፈሊ መስመር ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ዝርከባ 296 ዓድታት፡ ዛጊት እተን 206 ተጠቀምቲ ስርዓተ-ቀረብ ማይ ኮይነን ምህላወን፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ድማ በብደረጃኡ ንምትግባር ይስራሓሉ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ዘርአ፡ ካብ’ቲ ፕሮጀክትታት – እተን 51 ብኤለክትሪክ፡ 42 ብጸሓያዊ ጸዓት፡ 83 ከኣ ብናይ ኢድ መጨንጉዒ ዝሰርሓ ምዃነን ኣረዲኡ።

ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ኣብ 10 ዓድታት ምሉእ ስርዓተ-ቀረብ ማይ ንምህናጽ፡ ኣብ 3 ዓድታት ዒላታት ንምዂዓት፡ ኣብ 76 ዓድታት ከኣ ናይ ኢድ መጨንጉዒ ንምትካል ይስራሓሉ ከምዘሎ እውን ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ዘርአ፡ ንተሳትፎ ህዝቢ ድሕሪ ምምጓስ፡ እቲ ትካላት ማይ ንነዊሕ ግዜ ምእንቲ ከገልግል፡ ግቡእ ምክንኻንን ሓለዋን ክግበረሉ ተላብዩ።

Categories