ኣብ ናቕፋ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤትትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ዝነበራ ሕጽረት ህንጻታት በብእዋኑ ብምፍታሑን ዘመናዊ መሳርሒታት ብምዕጣቓን፡ ኣካዳሚያውን ሞያውን ንጥፈታታ ክብርኽ ከምዝኸኣለ ተገሊጹ።
ዳይረክተር ቤት-ትምህርቲ መምህር ቃልኣብ ዘርኡ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብገጻት ዝተሰርሐ ህንጻታት፡ ቤት-ዕዮ፡ መደቀሲ ተመሃሮን መማህራንን፡ መምሃሪ ክፍልታት፡ ቤት-ጽሕፈት መማህራን፡ ከምኡ’ውን ዓይኒምድሪን ካልእን ዘጠቓልል ክፍልታት ይህነጸላ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ዘመናዊ ናውትን ብዋይ-ፋይ ዝሰርሕ ዲጂታል ላይብረሪን እውን ኣብ ቀረባ እዋን ተዋዲዱ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ዝጠቐሰ መምህር ቃልኣብ፡ እዚ ምስ’ቲ ሓድሽ ህንጻታት ተደሚሩ፡ ኣብ ምምዕባል ትምህርቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ እምነቱ ገሊጹ።
ኣብ 1985 ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝተደኰነት ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ስነኪነት ዊና፡ ሎሚ ዓመት 117 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 341 ተመሃሮ ተአንግድ ኣላ።