መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ‘መውል’፡ ብ23 ለካቲት ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ ኣብ ምሕያል ቁጠባዊ ዓቕሚ ደቂ-ኣንስትዮ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ 54 ሚእታዊት ካብ ዓማዊል ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን፡ 80 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ቊጽሪ ተለቃሕቲ ድማ፡ ኣብ ሕርሻ ዝነጥፉ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ቁጽሪ ተጠቀምቲ ልቓሕ ደቂ-ኣንስትዮ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ኣብ ስራሕ ተዋፊረን መነባብሮአን ኣብ ምምሕያሽ ዘተባብዕ ገስጋስ የርእያ ከምዘለዋ ኣብቲ ጸብጻብ ተነጺሩ።
ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ኣቶ ታፍላ ኣስመሮም፡ ዓማዊል ኣብ ዘሰላስልዎ ስራሕ ዕዉታት ንክኾኑ፡ ሰራሕተኛታት ‘መውል’ ሞያዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጹ።
ተሳተፍቲ፡ ብቕዓትን ቀጻልነትን ‘መውል’ ንኽወሓስ፡ ዘመናዊ ኣገባባት ስራሕ ክተኣታቶ ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቦም።
መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን፡ ብውልቂ ንዝልቅሑ ካብ 6 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ናቕፋ፡ ብጉጅለ ንዝልቅሑ ድማ ካብ 30 ክሳብ 150 ሽሕ ናቕፋ የፍቅድ።