ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ብ25ን 26ን ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ኣብ ዘቃንዖ ገምጋም፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ፡ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።
ዳይረክተር’ቲ ጨንፈር ዶክተር ተስፋይ ሰሎሞን፡ ኣብ’ቲ ንክልተ ቅነ ዝቐጸለ ወፍሪ ኣስታት 400 ሽሕ መንእሰያት ከም እተኸትቡ፡ እቲ ሸፈነ ድማ 99 ሚእታዊት ከምዝነበረ ሓቢሩ። ኣብ 2020፡ ሓባራዊ ከባብያዊ ጽሬት ዝያዳ ኣትኲሮ ክወሃቦ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።
ንስግኣት ቫይረስ ‘ኮሮና’ ብዝምልከት፡ ዶክተር ተስፋይ፡ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣድላዪ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ፡ መወሸቢ ቦታታት እውን ከምእተዳለወ ብምሕባር፡ ዛጊት ዝኾነ ዘስግእ ተርእዮ ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።
ኣሃዱ ምቁጽጻር ኤች.ኣይ.ኣቪ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ፡ ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ 2018 – መጠን መልከፍቲ 0.55 ሚእታዊት ዝነበረ፡ ኣብ 2019 ናብ 0.41 ከምዝጐደለ፡ ካብ ተሰከምቲ ናይ’ቲ ቫይረስ ኣደታት ዝተወልዱ ህጻናት ብምሉኦም ናጻ ምንባሮም ሓቢሩ።
ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ “ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዝረጋገጽ፡ ኩሎም ጽላታት ብውህደት ምስ ዝነጥፉ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ኣብቲ ገምጋም ዝተጠቕሱ ሕጽረታት ብቐደም-ተኸተል ክፍትሑ ምዃኖም ገሊጹ።