ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጋሽ-ባርካ – ኣብ ዓበይቲ ናይ ልምዓት ቦታታት ዝበጽሑ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ንኡስ ዞባ መንሱራ፡ “ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት፡ ንብሩህ መጻኢ ሃገርና ዘረጋግጽ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ኣግሮ-ኢንዱስትሪ ኣለቡ፡ ዲጋታት ፋንኮ-ጽሙእ፡ ገርሰትን ከርበትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ’ተን ዲጋታት ዝካየድ ዘሎ ልምዓትዊ መደባት ኣብ ዝበጽሑሉ፡ ብኣካየድቲ ስራሕን ሞያውያንን መብርሂ ተዋሂቡዎም።

እቶም መንእሰያት፡ ከም ውጽኢት ትዕዝብቶም፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዓቲቦም ንኽነጥፉ ከም እተተባብዑ ሓቢሮም።

Categories