ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ክንክን ቅድመወሊድ ናይ ዝገብራ ነብሰ-ጾራት ቊጽሪ ክብ ብምባሉ በቲ ሓደ፡ መጠን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝገላገላ ኣደታት ብ44 ሚእታዊት ብምዕባዩ ድማ በቲ ኻልእ፡ ሞት ኣደን ዕሸልን ኣብ ግዜ ሕርሲ ብ64 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ተገሊጹ።
ብ21 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና’ቲ ዞባ ዶ/ር ኣማኒኤል ምሕረትኣብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምክልኻል ሕማማት ብሓፈሻ ብቕዓት ትካላት ጥዕና ኣብ ምውርጻጽ ከኣ ብፍላይ ዘተባብዕ ስራሕ ከምእተዓመ ሓቢሩ።
ሸፈነ ክታበት ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት 80 ሚእታዊት ከምዝበጸሐ፡ ንነብሰ-ጾራትን ጎራዙን ስሩዕ ክታበት ጸረ-ቲታኖስ ብምሃብ ድማ – ኣብ ዝውለዱ ናጽላታት ውሑስ ናይ ምክልኻል ሕማማት መስርሕ ይረጋገጽ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣብ’ቲ ጸብጻብ፡ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምግታእ ሓባራዊ ጻዕሪ ክካየድ፡ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት እውን ዕቱብ ኣተኵሮ ይሓቱ ምህላዎም ተገሊጹ።
ተሳተፍቲ ድማ፡ ሕጽረት ቀረብ መድሃኒታት መፍትሒ ክናደየሉ፣ ዋሕዲ ሞያውያን ሕክምናን ኣምቡላንሳትን ቈላሕታ ክግበረሎም፣ ናይ ዘይሕጋውን ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸን መድሃኒታት ጉዳይ ብዕቱብ ክተሓዝ ተማሕጺኖም።
ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገበረትንሳኤ፡ ሕጽረት ዓቕሚ-ሰብ ትካላት ጥዕና ንምምላእን ሞያዊ ዓቕሚ ሓካይም ንምምዕባልን መደባት ተታሒዞም ይትግበሩ ምህላዎም፡ ጠለባት መሳርሒታት ሕክምናን መድሃኒትን ንምምላእ እውን ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።