ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ “ህንጸትን ልምዓትን – ብስራሕ” ብዝብል ቴማ፡ ብ20ን 21ን ለካቲት መበል 16 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ኢብራሂም ዓሊ ሼኽ፡ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ሰላም ሃዋህውን ምልዓል ዘይፍትሓዊ እገዳን፡ ውጽኢት መኸት ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብጽንዓትናን መኸተናን ዝኣተናዮ ሓድሽ መድረኽ፡ ናይ ልምዓትን ምዕባለን ባብ ኣርሕዩ ስለዘሎ፡ ብንቕሓት ክንጥቀመሉን ዓጸፋ ክንሰርሓሉን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ምምሕዳር ዞባ፡ ኣብ 2019 ኣብ ማሕበራዊ፡ ትሕተ-ቅርጻዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሕርሻውን ካልእን ጽላታት ናይ ዝተሳለጡ ንጥፈታት ጸብጻብ ከቕርብ እንከሎ፡ ብተሳተፍቲ ዘተን ምይይጥን ተኻዪዱሉ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣብ 2019 ኣብ’ቲ ዞባ ብውሁድ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ትካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ሰራዊትን ዝተዓሙ ኩሉ-መዳያዊ መደባት ዕዉታት ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣብ’ቲ ዞባ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተወጢኖም ስለዘለዉ፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ኣብ ምዕዋቶም ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።

ባይቶ፡ ርእሰ-ውጥን ዘይብለን ሓውሲ ከተማታት ክዳለወለን፣ ህዝቢ ዝወስዶ ተበግሶታት ልምዓት ንምትብባዕ ብዅሎም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ኣባላት ባይቶን ሰፊሕ ጐስጓስ ክካየድ፣ ኣታዊታት ልምዓት ዞባን ግብሪ መንግስቲን ብዕቱብ ክስራሓሉ፣ ሽግር ዝስተ ማይ ንኡስ ዞባ ዳህላክ መዕለቢ ክረክብ፣ ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ዝርከባ ልዕሊ 66 ኣብያተ-ትምህርቲ ግቡእ ጽገና ክግበረለን ዝብሉ. . .ውሳነታትን ለበዋታትን ኣመሓላሊፉ።

Categories