ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ሓውሲ-ከተማ ማይ-ድማ፡ ናብ ምዕባለ ከተማን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎትን ዝቐንዐ ዘተ ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ነበርትን ኣባላት ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዓረዛን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ሓውሲ-ከተማ ማይ-ድማ ኣቶ መሓሪ ኣልኣዛር፡ ኣብ 2019 ናይ ዝተተግበረ መደባት ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣታዊታት ከተማ ምስ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ብ11 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ገሊጹ።

ሸለልትነት ዝመበገሲኡ ዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ካብ ትምህርቲ ምብኳርን ምቁራጽን የስዕብ ብምህላዉ፡ ወለዲ ዕቱብነቶም ከዕዝዙ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ምስ ምውሳኽ ብዝሒ ነበርቲ ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና ክዓቢ፡ ዕዳጋ ጥሪት ክስራሕን ዕደላ መሬት ጤሳ ክቀላጠፍን. . . ተላብዮም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ኣቶ ርእሶም ክፍለማርያም ድማ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝሰፍሐ ክካየድ ተወጢኑ ኣብ ዘሎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ተሳትፎ ህዝቢ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ልዕሊ 15 ሽሕ ህዝቢ ዝነብራ ሓውሲ-ከተማ ማይ-ድማ፡ ካብ መንደፈራ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 61 ኪሎ-ሜትር ርሒቓ ትርከብ።

Categories