ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዝተጀመረ – ቀዳማይ ገጽ ህንጸት ስትራተጂያዊ ጽርግያ ዓዲ-ጓዕዳድ-ኣቑርደት ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ነቲ ፕሮጀክት ዝቈጻጸር ዘሎ – ካብ ሚኒስትሪ ህንጻ መሃንድስ ሳምሶን ተስፋይ ገሊጹ።

ካብ ሓበላ ክሳብ ጨዔታት – ኣኻውሕን ኣጻድፍን ዝበዝሖ 30 ኪሎ-ሜተር ተሪር ዓቐብ ንምጉዳል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ነቲ ስራሕ ከቢድ ገይርዎ ምህላዉ ዝሓበረ መሃንድስ ሳምሶን፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 8 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ናይቲ ስራሕ ተሳሊጡ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ብሓፈሻ ኣብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ክፋል ናይ’ቲ ጽርግያ 186 መስመራት ትሕተ-ባይታዊ መትረባት ናይ ምስራሕ መደብ ከምዘሎን፡ ዛጊት ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎ 24 ከምእተዛዘመን ኣረዲኡ። እቲ ጽርግያ፡ ኣብ’ቲ ዝተወጠነሉ ናይ 2 ዓመት ግዜ ክዛዘም ድማ፡ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ’ቲ ከባቢ ፈጢርዎ ብዛዕባ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት፡ መሃንድስ ሳምሶን፡ ንነበርቲ ዓድታት ሓበላ፡ ዴዳ፡ ቀራና-ዂዶ፡ ምግራሕ፡ ጨዔታትን ካልኦትን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ከምዘሎ፡ ምስ ምስጓም ናይ’ቲ ዕማም ድማ ዝያዳ ዓቕሚ-ሰብ ክቚጸር ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝስራሕ ዘሎ – 10.2 ሜተር ዝጐድኑ በዓል ክልተ መስመር ጽርግያ፡ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት 134 ኪሎ-ሜተር እዩ ንውሓቱ።

Categories