ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት በሪኽ፡ ጋላ-ነፍሒን ሰረጀቓን ንዝነጥፉ ኣባላት ሽማግለታት ኮም ዝሰረቱ ተሃድሶን ልምዓትን፡ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ስልጠና ወዲቡ።
ብ20 ለካቲት ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝተኻየደ ስልጠና፡ ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ጅምዓ ኢብራሂም፡ እቲ መደብ፡ ስንኩላንን ማሕበራዊ ጸገም ዘለዎም ዜጋታታትን ኣለሊኻ፡ ኣፍረይቲ ዝኾኑሉ ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ ኣገንዚባ።
መንግስቲ ኣብ 1994 ዘበገሶ መደብ ማሕበራዊ ተሃድሶ፡ ሚኒስትሪታት ጥዕና፡ ትምህርቲን ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ከምኡ’ውን ሃማደኤን ሃማመተኤን ብተናጸል ክሰርሑሉ ከምዝጸንሑ ዝጠቐሰት ወይዘሮ ጅምዓ፡ ካብ 2018 ግና ንዝያዳ ኣድማዕነት ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር እናተመርሐ ይሰላሰል ከምዘሎ ገሊጻ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ስንኩላን፡ ኣረጋውያን፡ ጽጉማት ስድራ ስዉኣትን ጠዋሪ ዘይብለን ደቂ-ኣንስትዮን ኣለሊኻ ንምምዝጋቦም ዝሕግዝ መምርሕን መወከሲን ተነቢቡ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ማእከል ኮሎኔል ገብረዮሃንስ ወልደገርግስ፡ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ስድራቤታት ድማ ብፍላይ፡ ዘጋጥም ስንክልናን ማሕበራዊ ጸገምን – ምምሕዳራት ከባቢ ብኣተኲሮ ክሰርሓሉ ኣዘኻኺሩ።