ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣብ ስዑድያ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ዛዚሙ፡ ትማሊ 20 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስዑድያ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት፡ ብ17 ለካቲት ምስ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ፡ ብ19 ለካቲት ድማ ምስ ወራስ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝገበሮ ርክባት – ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ስዑድያን፡ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን፡ ከምኡ’ውን ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያትን ምዕባለታትን ተመያይጡ።

ኣብ’ቲ ርክባት፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ብወገን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ልኡል ፈይሰል ቢን ፋርሓን ቢን ዓብደላን ሚኒስተር ስቴትን ኣባል ካቢነ ሚኒስተራትን ዶክተር ዕሳም ቢን ሳዓድ ቢን ስዒድን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ሕርሻን ዕደናን ከውፍሩ ተገዳስነት ምስ ዘለዎም ስዑዳውያን ሰብ ጸጋ ብምርኻብ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ቁጠባታት ንዘሎ ድምር-ጸዓት ጠቒሱ – ኤርትራ ንወፍሪ ስዑድያ ሓንጎፋይ ኢላ ከምእትቕበሎ ኣረጋጊጹሎም።

Categories