ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ መጠን ምቁራጽ ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ኣዝዩ ከምእተመሓየሸ፡ ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ዘተባብዕ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።

ብ14 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ተስፋይ ስብሃቱ፡ ኣብ’ዚ ዓመተትምህርቲ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ ዘለዉ 20,283 ተመሃሮ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር መጠን ምሕላፍ 81 ሚእታዊት ከምዝነበረ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ድማ – ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ብ4 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ፡ መምህር ተወልደ ኣብርሃም፡ ንዝያዳ ውጽኢት – እቲ ዝነበረ ብልጫታት ተዓቂቡ ክድፋኣሉ ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ሕጽረት ናውትን መሳለጥያታትን ትምህርቲ ፍታሕ ክግበረሉ፡ ከምኡ’ውን ቀጽሪ ዘይብለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክስራሓለን ተላብዮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘአንግዳ 41 ትካላት ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories