ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ማይን ሓመድን ብምዕቃብ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታምን እቶታውነት ሕርሻ ንምድንፋዕን ዝዓለመ ሰፊሕ ወፈራታት ይሰላሰል ኣሎ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ብሓያል ውዳበን ተወፋይነትን ዝዕመም ዘሎ ስራሕ፡ ዛጊት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ከርካሻ ሓዳስ ዲጋ ከምእተሃንጸትን ሰፊሕ ከባቢ ከምእተፈወሰን ገሊጹ።
ሓላፊ ልምዓት መስኖ ኢንጂነር ኢብራሂም ዓሊ፡ እታ ንነበርቲ ዓድታት ከርካሻ፡ ተኬናባን እጉሙን ምስ ጥሪቶም ከተገልግልን መጠነ-ንኡስ መስኖኣዊ ሕርሻ ንምትእትታውን ዝተሃንጸት ዲጋ፡ መንግስቲ 3.4 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ከምዝገብረላ፡ ኣበርክቶ ህዝቢ ድማ ልዑል ምንባሩ ሓቢሩ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝጀመረ ሰፊሕ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ዛጊት ድማ ልዕሊ 14 ኪሎሜተር ቅናታዊ ዛላታትን ልዕሊ 2 ኪሎሜተር ኲብ ከትርታትን ከምእተሰርሐ ተፈሊጡ።