ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ – ሳዋ ዝመሃሩ ዘለዉ ተመሃሮ 12 ክፍሊ፡ ንምሕደራ ግዜን ሃገራዊ መልቀቒ ፈተናን ዝምልከት ሓበሬታ ተዋሂቡዎም።
ኣብ’ቲ ብ15ን 16ን ለካቲት ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ተመሃሮ መምርሕን ሓበሬታን ብዝግባእ ክትግብሩ፡ ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ብምውጋድ – ኣብ ግብራዊ ስራሕ ከድህቡ፡ ፍረ ጻዕሮም ዝሓፍሱሉን መጻኢኦም ዘውሕሱሉን መድረኽ ስለዝኾነ – ኣብ እዋን ፈተና ከጋጥሙ ካብ ዝኽእሉ ንኣሽቱ ግን ከኣ ሃሰይቲ ጌጋታት ንምድሓን ዕቱባት ክኾኑ. . . ምኽሪ ተለጊሱሎም።
ኣብ እዋን ፈተና ዝርአ ፍርሒ ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ዝገለጹ ወደብትን ኣካየድትን ናይ’ቲ መደብ፡ ተመሃሮ ኣቐዲሞም መጽናዕትን ቅድመ-ምድላዋትን ብምክያድ ነቲ ብድሆ ናብ ዕድል ቀይሮም ክሰግርዎን ክዕወቱን ስለዝኽእሉ፡ ተረጋጊኦም ክሰርሑ ተላብዮም።
ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት እዩ ክካየድ።