መደባት መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኣስመራን ከባቢኣን፡ “ዓሚቚ ዝኽሪ ንንጹር ራኢ” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 19 ለካቲት ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ ወኪ-ድባ ኣብ ዝተኻየደ – ብምንባር ዕንባባ ዝፈለመ ስነ-ስርዓት ብወግዒ ተጀሚሩ።
ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስትን ግንባርን፡ ህዝቢ ወኪ-ድባን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣቶ ተስፉ ፍስሓጼን፡ ቅድሚ 45 ዓመታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈጸመ ግፍዒታት፡ ኣካል ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንስለ ናጽነቱን ክብረቱን ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንእሰያት ነዚ ታሪኽ ብግቡእ ከምዝፈልጥዎ ምግባር – ካብ ቀዳምነታት ናብ መንእሰያት ዘተኰሩ መደባት ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ኣብ 1975/1976 ኣብ ወኪ-ድባ ብዓረርን ሳንጃን ወተሃደራት ስርዓት ደርግ ናይ ዝተቐትሉ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ንጹሃት ዜጋታት ስም ክንበብ እንከሎ፡ ውጻእ መዓት ናይ’ቲ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ቃል ምስክርነቱ ሂቡ።
እቲ መደብ፡ ንግፍዕታት ገዛእቲን ሕራነ ህዝቢ ኤርትራን ብዘንጸባርቕ ዜማታትን ግጥምታትን ዝተሰነየ ነይሩ።
ክሳብ 22 ለካቲት ዝቕጽል ዝኽሪ ህልቂት ኣስመራን ከባቢኣን፡ ብሰሚናራት፡ ውጻእ መዓት ዝህብዎ ምስክርነት፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ስነ-ጥበባዊ ዕዮታት፡ ከምኡ’ውን ምንባብ ኣስማት ግዳያት ከጠቓልል እዩ።