ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር 2019 ዝተኻየደ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺን ዕደላ ቫይታሚን ‘ኤ’ን፡ ብ14 ለካቲት ኣብ ከተማ ዓሰብ ተገምጊሙ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ኣሰፋው ነጋሲ፡ ሳላ ዕዙዝን ንቑሕን ተሳትፎ ህዝቢን መሻርኽቲ ኣካላትን፡ ብኣውራኡ ተወፋይነት ሞያውያን ጥዕና፡ እቲ መደብ ብዓወት ከምእተሰላሰለ ሓቢሩ።

ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ልዕሊ 95 ሚእታዊት፡ ዕደላ ቫይታሚን ‘ኤ’ ድማ 98 ሚእታዊት ሸፈነ ከምዝነበሮ ድማ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ፡ እቲ ሃገራዊ መደብ፡ ኣብ ክልተ ገጻት ከምእተኻየደን ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ብልጫ ከምዝነበሮን፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ኣብ ወቕቲ ቀውዒ ብምክያዱ ጸገማት ከምእተኸስተ ድሕሪ ምሕባር፡ ብሓፈሻ ክግምገም እንከሎ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።

Categories