ኣብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተመሃሮ፡ ኣብ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዘለዉን፡ ብለበዳዊ ሕማም ‘ኮሮና ቫይረስ’ ዝተለኽፈ ከምዘየለን፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ’ታ መበገሲት እቲ ሕማም ምዃና ዝንገረላ ከተማ ‘ዉሃን’ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብወገኖም፡ መንግስቲ ቻይና ኣብ’ታ ከተማን ከባቢኣን ኣጽኒዑዎ ዘሎ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ንመነባብሮኦም ከምዝጸለዎ፡ ይኹን’ምበር ነቲ ለበዳዊ ሕማም ንምቁጽጻር ንዝተወስደ ጽኑዕ ስጉምቲ ብምኽባር – ኣድላዪ ዘበለ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ እናተኸተሉን ንሓድሕዶም እናተደጋገፉን ነቲ ኩነታት ይሰግሩዎ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቻይና ኣቶ ጸጋይ ተስፋጽዮን ንኩነታቶም ብቐረባ እናተኸታተለ ንዝህቦም ዘሎ ደገፍን ኣማእዛኒ ሓበሬታን፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ዝገብሮ ዘሎ ዕቱብ ምክትታል ድማ ኣመስጊኖም።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ፍርቂዓመት ዕረፍቲ ዝጸንሓ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ከተማ ዉሃን፡ ብሰንኪ ኣብ’ታ ከተማ ጸኒዑ ዘሎ ርእሰ-ውሸባ፡ ቪድዮ ኮንፈረንስን ካልእ ቴክኖሎጅን ተጠቒመን መደባት ትምህርቲ ከካይዳ ጀሚረን ብምህላወን፡ ዝበዝሑ ካብቶም ተመሃሮ ትምህርቶም ዝቕጽሉሉ ኩነታት ይጣጣሕ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ማእከላይ ቻይና፡ ርእሰ-ከተማ ኣውራጃ ሁበይ ዝኾነትን ልዕሊ 11 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣን ከተማ ዉሃን፡ ብደረጃ ቻይናን ዓለምን ኣዝየን ፍሉጣት ዝርከባአን ልዕሊ 25 ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ኣለዋኣ።