ስርዓት ደርግ ኣብ 1975 ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፈጸሞ ግፍዒታት፡ “ዓሚቚ ዝኽሪ ንንጹር ራኢ” ብዝብል ቴማ፡ ካብ ሎሚ 19 ክሳብ 22 ለካቲት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ክዝከር እዩ።

ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድሚ 45 ዓመታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈጸመ ግፍዒታት፡ ኣካል ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንስለ ናጽነቱን ክብረቱን ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ነቲ ታሪኽ ንምስናድን መንእሰያት ከምዝፈልጥዎ ንምግባርን ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።

“ሕሉፉ ዘይዝክር፡ መጻኢ የብሉን” ዝበለ ኣቶ እንድርያስ፡ እቲ ብምትሕብባር ሓያሎ ኣካላትን ህዝብን ዝቐርብ መሰናድኦታት፡ ሰሚናራት፡ ውጻእ መዓት ዝህብዎ ቃል-ምስክርነት፡ ነቲ ዝኽሪ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢትን ስነ-ጥበባዊ ዕዮታትን፡ ከምኡ’ውን ምንባብ ኣስማት ብግፍዒ ናይ ዝተቐትሉ ንጹሃን ዜጋታትን ካልእን ከምዘጠቓልል ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ 1975 ወተሃደራት ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢኣን ተዘርጊሖም፡ ኣብ ጽርግያ ንዝረኸብዎ ኤርትራዊ፡ ከምኡ’ውን ገዛ-ገዛ እናኣተዉ ብኣልማማ – ብጥይትን ሳንጃን ኣማኢት ሰላማውያን ዜጋታት ከምዝቐተሉ ኣይርሳዕን።

Categories