ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዘሰልጠኖም 70 ነባራትን ሓደስትን መሃንድሳት፡ ትማሊ 18 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ።

እቲ ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠና፡ ኣብ ውጥን ቀረብ ጸዓት፡ ምስፋሕ ቀረብ ጸዓትን ተተካኢ ጸዓትን ዘተኰረ እዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ጸዓት ኢንጂነር ተስፋይ ዘካርያስ፡ “እቲ ትምህርቲ ምስ ሓድሽ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተተካኢ ጸዓት ዘላሊ፡ ከምኡ’ውን ናይ ጸዓት ፕሮጀክትታት ኣብ ምንዳፍን ምድላውን ከም መበገሲ ኮይኑ ዘገልግል እዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ንተመረቕቲ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ኢንጂነር ክብሮም ዑቕባዝጊ ብወገኑ፡ እቲ መደብ እዋናውን ተተካኢ ጸዓት ኣማዕቢልካ ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ንምውዓሉ ዝድርኽን ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰልጠንቲ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ከምኡ’ውን ካብ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓትን ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራን ዝተዋጽኡ እዮም።

Categories