ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ – ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ንጉስ ሳልማን ንታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ስዑድያን ሓባራዊ ረብሓታተንን ብምጥቃስ፡ ሃገሩ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።
ንጉስ ሳልማን ብተወሳኺ፡ ንተራ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምትሕግጋዝን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ሞጒሱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ንምሕዝነትን ደገፍን ንጉስ ሳልማንን ስዑድያን ንኤርትራ ድሕሪ ምምስጋን፡ ስዑዲ ዓረብን ሃገራት’ቲ ዞባን፡ ቀዳማይ ሓላፍነት ሰላምን ምዕባለን ናይ’ቲ ጎዶቦ ከምዘለወን ኣስሚሩሉ።
ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ብወገን ንግስነት ስዑድያ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈይሰል ቢን ፋርሓን፡ ስቴት ሚኒስተርን ኣባል ካቢነን ልኡል ቱርኪ ቢን መሓመድ ቢን ፋሃድ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ሰቕር ሱለይማን ኣልቑረሺ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ተረኺቦም ነይሮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ስዑድያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ንግሆ እዩ ናብ’ታ ሃገር ገይሹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ ልኡል ፈይሰል ቢን በንደር ቢን ዓብዱልዓዚዝ – ኣመሓዳሪ ዞባ ሪያድ፡ ልኡል ፈይሰል ቢን ዓብዱልዓዚዝ ቢን ኣያፍ – ከንቲባ ዞባ ሪያድ፡ ዶክተር ዕሳም ቢን ሳዓድ ቢን ስዒድ – ስቴት ሚኒስተርን ኣባል ካቢነን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ተቐቢሎምዎም።