ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ክኢላታት ዝሰላሰል ዘሎ ዳህሳስን ኲዕታን ዘጠቓልል ‘ፕሮጀክት ኣዱሊስ’ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ሓላፊ ጨንፈር ስነዳን ምርምርን ጥንታዊ ውርሻ ዶክተር ጸጋይ መዲን ሓቢሩ።

ካብ 17 ጥሪ ክሳብ 13 ለካቲት 2020 ኣብ’ታ ጥንታዊት ወደብ ዝተኻየደ ናይ ዳህሳስ፡ ኲዕታን ጽገናን ንጥፈታት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዶክተር ጸጋይ፡ ብዝርከብ ዘሎ ኣሰራት፡ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ኣገዳስነታ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን እናዓዘዘ ከምዝመጸ ገሊጹ።

ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ብመንጽር ዝነበራ ምምሕዳራዊ ቅርጺን ኣካይዳን፡ ብቑጠባ ኣብ ጥርዚ ምዕባለ በጺሓ ኣብ ርእሲ ምንባራ፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዝነበረ ስልጣነታት ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበራን፡ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ኣኽሱም ከምዘይነበረትን ብመርትዖታት ከምእተረጋገጸ እውን ኣረዲኡ።

ብዛዕባ’ዛ ተደብያ ዘላ ጥንታዊት ወደብን ኣብ ከርሳ ተዓቢጡ ዘሎ ምስጢርን ንምፍላጥ ግዜን ጻዕርን ከምዝሓትት፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ናይ ዳህሳስን ኲዕታን ንጥፈታት፡ ካብ ውሕጅ ናይ ምክልኻል ስራሓት ይሰላሰል ከምዘሎ ሓቢሩ።

“ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ፡ ሃገራዊ ውርሻ ጥራይ ዘይኮነት፡ ዓለማዊ ውርሻ እውን እያ” ዝበለት ኣወሃሃዲት ናይ’ቲ ፕሮጀክት ፕሮፌሰር ሳረና ማሳ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ 2011 ካብ ዝጀምር ኣብ’ቲ ዕማም ትሳተፍ ብምህላዋ፡ እቲ በብዓመቱ ዝካየድ ስራሕ ኣተባባዒ ውጽኢት እናተረኽቦ ይመጽእ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ኣገዳሲ ናይ ምልውዋጥ ተመኲሮ ባይታ ፈጢሩ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ኣብቲ ዕዮ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ክኢላታት ብወገኖም፡ ብክልሰ-ሓሳብ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብግብሪ ክሰርሑሉ ምጅማሮም ከምዘሐጐሶም ብምጥቃስ፡ ምስጢር ናይ’ታ ጥንታዊት ወደብ ንምፍላጥ ብተወፋይነት ክዓዩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ኣስታት 40 ሄክታር ዝተደኰነት ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ፡ ኣስታት 60 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories