ዝናር ጥበባት ማእከል፣ ብክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ተወዲቡ ብታሕሳስ 2018 ከም ዝጀመረ ይፍለጥ። እዚ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክልተ ኣዋርሕ ዝካየድ ውድድር ዝናር ጥበባት ማእከል፣ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ መድረኻት ዘካየዶ ስነ ጥበባዊ ውድድራት ብ17 ጥሪ 2020 ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከም ዝተዛዘመ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ’ዩ።
ዝናር ጥበባት ማእከል ሓዪሉ ክቕጽል እንተኾይኑ፣ እወታውን ኣሉታዊን ሸነኻቱ ተገምጊሙ ክቕጽል ስለ ዘለዎ፣ ብ12 ለካቲት 2020 ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ገምጋም ተገይሩሉ። ኣብ’ቲ ንውድድራት ቅብኣ፣ ስነ ጽሑፍ፡ ትልሂትን ኣፈታሪኽን ዘተኮረ ገምጋም፣ ዓበይቲ ስነጥበበኛታት፡ ኣካያዲት ኮሚቴ፡ ካልኦት ተሓጋገዝትን ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ ገምጋም ድማ ዕምቈት ምእንቲ ክህልዎ በብዓውዱ’ዩ ተገምጊሙ።
እወታዊ ሸነኻት ዝናር ጥበባት ማእከል ብቐንዱ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ነቲ መደብ ምጅማሩ፣ ንመድረኽ ዘይረኸቡ ስነጥበባዊ ፍርያት መድረኽ ምፍጣሩ፣ ሓደስቲ ወይ ነኣሽቱ ወለዶ ስነጥበበኛታት ከም ዝምልመሉ ምግባር፣ ዓበይትን ጸለውትን ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መድረኽ እናዓደመ ንመንእሰያት ከም ዝጸልዉን ክብሮም ከም ዝኹላዕን ምግባር፣ ኣብ ፈስቲቫል ይኹን ካርኒቫል ኣብ ዞብኦም ተወዳደርቲ ስነ-ጥበበኛታት ምድላው፣ ስነ-ጥበበኛታት መንእሰያት ንዘይጭበጥ (Intangible) ዝኾነ ባህላዊ ውርሻታትና ብዕምቈት ከም ዝርድእዎን ከም ዝርዕምዎን ኣብ ምግባር፣ ኣብ በዓላት ብፍላይ ድማ ኣብ 20 ሰነን መዓልቲ ናጽነትን መሳጢ መደባት ብምድላው፣ ንኣደነቕቲ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደብ ከም ዝንጸባረቑ ምግባርን ካልእን ብኣብነት ተጠቒሶም።
ኣብ ገምጋም ንድኽመታት ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ዘብለጭልጩ ስርሓት ጥራይ ዘተኮረ ርእይቶ ንኸይወሃብ ኣቐዲሙ ዝተላበወ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም እዩ። ንሱ ንተሳተፍቲ “ብቕንዕና እንተተገምጊሙ፡ ቀጻሊ መደባት ዝናር ጥበባት ማእከል ተመዓራርዩን ሓዪሉን ክጐዓዝ ከም ዝኽእል ክትግንዘቡ ኣለኩም።” ብምባል ኩሉ ዓይነታት ውድድራት ወይ ንጥፈታት ዝናር ጥበባት ማእከል በብኣርእስቱ ንኽግምገምን ንቐጻሊ ክትግበሩ ዝግብኦም ቅጥዓታትን ክህልዎም ከም ዝግባእን ንተሳተፍቲ ኣዘኻኺሩ። ብወግን ተሳተፍቲ ድማ እዚ ዝስዕብ ዝርዝራዊ ርእይቶታትን ቅጥዒታትን ተሰማሚዖምሉ።
ቅብኣ
– ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕድመ ይኹን ብዓቐን ቅብኣ ዝፈላልይ ቅጥዒ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ነኣሽቱን ዓበይትን ቀባእቲ ድማ ብተመኵሮን ብቕዓትን ርኡይ ፍልልይ ስለ ዝጸንሐ ኣብዚ ዝቕጽል ውድድር እዚ ዝስዕብ ቅጥዒ ክግበረሉ ተወሲኑ ኣሎ። ተወዳደርቲ ልዕሊ 16 ዕድሚኦም ክኾኑ፣ ዘቕርብዎ ቅብኣ ሓድሽ ምህዞ ማለት ኣብ ዝኾነ መድረኽ ይኹን ውድድር ዘይተሳተፈ ቅብኣ ክኸውን። ንውድድር ዝበቅዕ ቅብኣ ሓደ ሜትሮን 75 ሰንቲ ሜተርን ዓቐን ክህልዎ፣
– ብቴክኖሎጂ ማለት ብፕሮጀክተር ተሓጊዞም ዝስእሉ ቀባእቲ ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ስለ ዘጋጠሙ፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ንመሃዝነቶም ስለ ዘዳኽም ኣብ ቀጻሊ ንውድድር ብቑዕ ከም ዘይኮነ ኣብቲ ገምጋም ነጺሩ።
– ቀባእቲ ምስ ምሉእ መደባት ዝናር ጥበባት ማእከል ምርኢቶም ከዳልዉ እንከለዉ፡ መራኸቢ ብዙሓን ከም’ቲ ካልእ ዓውድታት ኣቓልቦ ክገብራሉ፡ ምስ ምብዛሕ ቅብኣታት ነተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝዕወታ ቅብኣታት ዘተባብዕ ሸፈነ መራኸቢ ብዙሓን ንኽረኽባ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሚኒስትሪ ዜና ምርድዳእ ክግበር ርእይቶ ተዋሂቡ።
– ውድድር ቅብኣ ዝያዳ ኣሳታፊ ንክኸውን ህያው ቅብኣ (Life) ህዝቢ እናተዓዘቦም ንዝስእሉን – ብደቂ ኣንስትዮ ዝዝውተር ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ብፍሉይ ኣብ ውድድር ዝናር ጥበባት ማእከል ባይታ ንኽረክብ ክስራሓሉ ሓሳባት ቀሪቡ።
– ኣብ መዛዘሚ ውድድራት ዝናር ጥበባት ማእከል ናይ 2019 ብፍላይ ንቅብኣ ዝተዋህበ ሽልማት ኣተባባዒ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ቀጻሊ ክድፈኣሉን እቶም ምስ ብቕዓቶም እናሃለዉ ዘይሳተፉ ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ፍርያቶም ንውድድር ከውጽእዎን ተሳትፎኦም ከሐይሉን ከም ዝግባእ እቶም ኣብ ዓውዲ ቅብኣ ኣተኲሮም ርእይቶ ዝሃቡ ገሊጾም።
ደድሕሪ ቅብኣ ዝተገምገመ ውድድር ስነ ጽሑፍ’ዩ። ሓጸርቲ ዛንታታት ንኽወዳደሩ ባይታ‘ኳ ተፈጢሩሎም እንተነበረ፣ ኣብ መድረኽ ግን ንተዓዛቢ ምስቲ ዋሕዚ መደባት ክቐርብ እንከሎ ምቹእ ከም ዘይኮነ ተገምጊሙ። ከም ፍታሕ ድማ ኣብ ቀጻሊ ዛንታታት ተኣኪቡ ንበይኑ ምስ ናይ ዛንታ ኣስተማቐርቲ ክቐርብ ከም ዝግባእ ርእይቶ ቀሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ግጥምታት ንውድድር ከም ዝቐረበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ዝቐረበ ግጥሚታት ምስ ቅብኣ ካብ ዘመሳስሎ፣ ተወዳደርቲ ብዕድመ ይኹን ብብቕዓት መፍለይ ቅጥዒ ኣይነበሮምን። ትሕዝቶ እቶም ግጥምታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም መበገሲ ኮይኑ፣ ኣብ ቀጻሊ ግን ምስቲ ሽልማት ዝዳረጉ ግጥምታት ዝተርንዑ ንኽመጽኡ ክስራሓሉ፡ እቶም ዝቐርቡ ግጥምታት ብብቑዓት ኣንበብቲ ክንበቡ ወይ ኣቕረብቲ ኣቐዲሞም ልምምድ ክገብሩ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። ኣብ ዝቕጽል መድረኻት ድማ ኣብ ግጥሚ ዝሳተፉ ልዕሊ 16 ዕድሚኦም ክኾኑ ተወሲኑ።
ብፍላይ ኣብ ግጥሚ መመይቲ ደያኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክቀያየሩ ስለ ዝጸንሑ፣ ኣብ ዝቕጽል ውድድር መመይቲ ወይ ደያኑ ሰለስተ ቀወምቲ ክልተ ድማ ተጠባበቕቲ ክኾኑ ተወሲኑ። እቶም ንዳንነት ዝሕረዩ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ዘይነዓቕ ኣበርክቶን ተመኵሮን ዘለዎም ክኾኑ፣ ንስነ ጥበበኛታት ወይ ንተወዳደርቲ ድማ ስነፍልጠታዊ ርእይቶ ክህቡ ብቕዓት ዘለዎም ክኾኑ ከም ዝግባእ ተወሲኑ።
ዝናር ጥበባት ማእከል፡ ኣፋዊ ያታና ንኽዓቢ ብዘይካ’ቲ ኣብ ትልሂትን መሳርሒ ያታዊ ሙዚቃን ዝገብሮ ምትብባዕ፡ ኣብ ማሰን መልቀስን እውን ውድድራት ከካይድ ተበጊሱ እዩ። እንተኾነ ግን እቶም ዝተወዳደሩ መንእሰያት ካብ ሰለስተ ስለ ዘይሓለፉ ብመተባብዒ ገንዘብን ሰርቲፊኬትን ተፋንዮም። ኣብ ቀጻሊ እዚ ሃብታም ባህላዊ ውርሻና ንኸይበርስ ኣብቲ ዓውዲ ዝፈታትኑ ብፍላይ መንእሰያት ተሳተፍቲ ንኽስስኑ ጻዕርታት ክግበርን እቶም ኣንፈት ዘለዎም ድማ ንኽስዕብዎ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ሙዚቃን ትልሂትን መሰጥቲ መደባት ዝናር ጥበባት ከም ዝነበሩ ብተሳተፍቲ ዝተመስከረሎም ዓይነት ጥበባት እዮም። ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሙዚቃ ዝነጠፉ ድማ ብዕድመ ዝነኣሱ ኮይኖም፣ ብዝናር ጥበባት ማእከል ዝተመልመሉ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ። እቶም ሓደስቲ ስነጥበበኛታት ብዘርኣይዎ ብቕዓት፡ ንዕላማታት ዝናር ጥበባት ማእከል ከም ዝኾልዕዎ ተገሊጹ። እዞም ስነጥበበኛታት መንእሰያት ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ልምምድን ኣብ መድረኽ ምቕራብን ድማ፣ ኣብ’ዚ እዋን ኩሎም ብቑዓት ኮይኖም፣ ንዝኾነ መድረኽ ክገጥሙ ከም ዝኽእሉ ስለ ዝተገምገመ፡ ዝናር ጥበባት ማእከል፡ ዓመታዊ ነኣሽቱ መንእስያት ብሞያ ሙዚቃ ከተሰልጥን ዓቕሚ ከም ዘለዋ ብተሳተፍቲ ተገምጊሙ።
ሙዚቃዊ ትርኢት ዝናር ጥበባት ማእከል ዝበዝሐ ሸነኻቱ ኣብ ባህላዊ ጸወታታት ዝዛዘወ ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ዘመናዊ ጸወታታት ይእንገድ እዩ። ኣብ ሙዚቃዊ ትርኢት ዝናር ጥበባት ማእከል ከም ነውሪ ዝርአ ብኮምፕዩተር ተሓጊዝካ ዝድረፍ ደርፊ (ፕለይ ባክ) እዩ። እዚ ዘይንስኻ መሲልካ ዝድረፍ ደርፊ፡ ንምዕባለ ሙዚቃ ኣዕናዊ ስለ ዝኾነ፡ ብተሳተፍቲ ገምጋም ዝናር ጥበባት ማእከል ቅቡል ከም ዘይኮነ ተገሊጹ። ብፍሉይ ዝዕደሙ ድምጻውያን፡ ኣቐዲሞም ብምምጻእ ብህያው ንኽደርፉ ምስ ሙዚቀኛታት ዝናር ጥበባት ማእከል ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ኣብ’ቲ ገምጋም ተገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ዝተገምገሙ ተወዳደርቲ ትልሂት እዮም። ዘርኣዩዎ ምርኢት መሳጢ ኮይኑ፣ ኣብ ቀጻሊ ብፍላይ ኣብ ባህላዊ ጸወታታት ኣብ ኣከዳድና፡ ቁኖ፡ ስልማትን ካልእን ጥንቃቐ ከም ዘድልዮም መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ድሕሪ’ዚ በብዓውዱ ዝተገብረ መጠቓለሊ ገምጋም፡ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም’ዩ መዛዘሚ ቃል ኣስሚዑ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ተሳተፍቲ ብግሉጽነት ብምግምጋሞም ብምምስጋን፡ ዝናር ጥበባት ማእከል ኣብ ናይ 2020 መደባታ፡ ነቲ ዝተዋህበ ርእይቶታትን ውሳነታትን ምርኩስ ገይራ፣ ብዘይካ’ዞም ዝተጠቕሱ ቅጥዒታት በብዓውዶም ተወሰኽቲ ቅጥዒታት ከተዳልወሎም ምዃና ገሊጹ። ነፍሲ-ወከፍ መድረኽ ድማ ብቴማ ክምራሕ ከም ዝኾነ ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም ገሊጹ። ንኣብነት ብምኽንያት 08 መጋቢት 2020 መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ዝካየድ ቀዳማይ መድረኽ ዝናር ጥበባት ማእከል – ነዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ቴማታት ምርኩስ ብምግባርን ነቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ቅጥዒታት ኣማሊኦም ዝወዳደሩ ስነ-ጥበበኛታት ክሳብ 29 ለካቲት 2020 ስነ-ጥበባዊ ፍርያቶም ናብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ጨንፈር ባህሊ ቁጽሪ ቤት ጽሕፈት 60 ከረክቡ ከም ዝግባእ ኣቶ እንድርያስ ኣዘኻኺሩ። (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዝተጠቕሰ ቤት ጽሕፈት ክትውከሱ ትኽእሉ)
1, ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንጸት ሃገር
2, ደቂ ኣንስትዮ ቃልሲ ንናጽነትን ምዕቃብ ልዑላውነትን
3, ደቂ ኣንስትዮን ሞያን ማዕርነትን
4, ጎዳእቲ ልምድታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ
5, ትሕቲ ዕድመ መርዓን ምኽንሻብን
ኣሜን ተስፋይ