ኮማዊ ሰረት ዘለዎ ንጥፈታት ከባብያዊ ጽሬት ንምሕያል፡ ወከልቲ 14 ምምሕዳራት ከባቢ፡ መማህራንን ዓበይቲ ዓድን ዝተሳተፍዎ ዘተ – ብ1 ለካቲት ኣብ ባረንቱ ተኻዪዱ።
ሓላፊ ትካላት ጥዕና ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ነርስ ተመስገን ብርሃነ፡ ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት ንከተማ ባረንቱ ሓዊስካ ኣብ ኩለን ምስኣ ዝመሓደራ ምምሕዳራት ከባቢን ዓድታትን፡ ኣብ 2020 ክጻፈፍ ተወጢኑ ይስራሓሉ ምህላዉ ገሊጹ።
ካብተን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝሕቈፋ 48 ዓድታት፡ ኣብ’ተን 44 ዓድታት ንምትእትታው ዓይኒ ምድሪ ዝምልከት ጐስጓሳት ከምእተኻየደ፡ ኣብ 15 ዓድታት ድማ እቲ መደብ ምሉእ ብምሉእ ከምእተተግበረ ተሓቢሩ።
ኣመሓደርቲ ምምሕዳራት ከባቢ፡ እቲ መደብ ብጽፈት ይትግበር ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ’ተን ምሕድግ ዝበላ ምምሕዳራት ከባቢ ግን – ሓደ-ሓደ ጸገማት ብምህላዉ፡ ሓገዛት ክግበር ተላብዮም።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ነፍሲ-ወከፍ ስድራ እጃማ ከተበርክት ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ጽጉማትን ኣረጋውያንን ብወፈራታት ሓገዝ ክግበረሎም ኣተሓሳሲቡ።