ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምስ ውድብ መግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር፡ ኣብ ምድላው ሃገራዊ መዝገብ ስርዓተቊጽጽርን ደረጃታትን መግቢ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ብ 6 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ‘ሃኮሰኤ’ ኣካዪዱ።
ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ድሕነት መግቢ ሕመረት ቀጻልነት ህይወትን ጥዑይ ናብራን ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝተመሓየሸ ሃገራዊ ስርዓተ-ቊጽጽርን ደረጃታትን መግቢ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ዕማም ምዃኑ ገሊጹ።
ወኪል ውድብ መግቢን ሕርሻን ኣብ ኤርትራ ሚስተር ስዒድ ኣቡበከር ብወገኑ፡ ምምዕባልን ምትግባርን ስርዓተ-ቁጽጽርን ደረጃታትን መግቢ ሓደ ካብ ኣገደስቲ መዳያት ድሕነት መግቢ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ውድብ ሕርሻን መግቢን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ደገፍ ከምዘበርክት ኣረጋጊጹ።
ኣማኻሪ ውድብ መግቢን ሕርሻን ፕሮፌሰር ማርቲን ኪማንያ ድማ፡ ንተሳተፍቲ ኣብ ኣመዓባብላን ሓፈሻዊ መትከላት ኣህጉራዊ ስርዓተ-ቊጽጽርን ደረጃታትን መግቢ ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ፡ ኣገዳስነቱ ጕሉሕ ስለዝኾነ፡ ኣባል ሃገራት ኣበርቲዐን ክሰርሓሉ ተላብዩ።
ንእዋናዊ ኩነታት ሃገራዊ ስርዓተቊጽጽርን ደረጃታትን መግቢ ኣመልኪቱ ምስ ኤሪና ቃለ-መሕትት ዘካየደ – ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ሕጋጋትን ቁጽጽርን ኣቶ ተኽለኣብ ምስግና፡ ሃገራዊ ሽማግለ ስርዓተ-ቊጽጽርን ደረጃታትን መግቢ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ 2004 ከምዝቘመ፡ ዝያዳ ንምምዕባሉ ግዳ ተወሳኺ ስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
ተሳተፍቲ ኣብ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ድሕሪ ዘካየዱዎ ዘተ፡ ነቲ መስርሕ ዝሕግዝ ሓሳባትን ለበዋታቶምን ኣቕሪቦም።
ኣህጉራዊ ስርዓተ-ቊጽጽርን ደረጃታትን መግቢ ኣብ 1962 ብተበግሶ ውድብ ጥዕና ዓለምን ውድብ መግቢን ሕርሻን ዝተመስረተ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ 1996 ከምእተጸንበረቶ፡ ካብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።