ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ፡ እቲ ደረጃ እናበረኸ ኣብ ዝኸደሉ ብርኡይ የንቈልቊል ስለዘሎ፡ እቲ ጠንቂ ተለልዩ ፍታሕ ክርከበሉ፡ ርእሳነ-መማህራን ኣብያተትምህርቲ ካሪቦሳን ሳፊራን ኣዘኻኺሮም።
ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ ካሪቦሳ መምህር ዑመር መሓመድ፡ እታ ናይ መባእታ ቤት-ትምህርቲ፡ ካብ 7 ዓድታት ናይ 3 ምምሕዳራት ከባቢ ንዝመጹ ተመሃሮ ከምእተገልግል ብምሕባር፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ – ናይ ወለዲ ንደቆም ዘይምትብባዕን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምዃኑ ገሊጹ።
ሎሚ ዓመት ካብ ዝተመዝገቡ ተመሃሮ – እተን 49 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን፡ እዚ ቁጽሪ’ዚ ግን፡ ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ከምዘይቅጽል፡ መምህር ዑመር ኣረዲኡ።
ርእሰ-መምህር መባእታ፡ ማእከላይን 2ይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሳፊራ መምህር እስማዒል ማሕሙድ ብወገኑ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነከየ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ምምሕዳራት ንኡስ ዞባን ከባቢን ምስ ስድራቤታትን ኮሚተ ቤት-ትምህርትን እናተላዘቡ ፍታሕ ከናድዩሉ ጸዊዑ።
ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሳፊራ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መባእታ 40 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 21 ሚእታዊት፡ ኣብ 2ይ ደረጃ ድማ 17 ሚእታዊት ምዃኑ፡ እቲ ሓበሬታ የነጽር።